እቲ ናይ Yoursafe ኣፕሊኬሽን (App) ነቲ ብ COA ዝድገፍ ኣካውንትካ (sponsored account) ንምምሕዳር፣ ዝተረፈካ ሒሳብ (balance) ንምፍታሽ፣ ከምኡ’ውን ዓይነት ኣካውንትካ ደረጃኡ ክብ ንምባል (upgrade) ይሕግዘካ። ንምጅማር ነዞም ዝስዕቡ ስጉምትታት ተኸተል፦
ስጉምቲ 1፦ ነቲ ኣፕሊኬሽን ኣውርዶ (Download)
ን iPhone፦
App Store ክፈት።
“Yoursafe” ኢልካ ድለ (Search)።
ኣብ "ኣውርድ" (Download / Get) ጠውቕ።
ን Android ሞባይል፦
Google Play Store ክፈት።
“Yoursafe” ኢልካ ድለ (Search)።
ኣብ "ጽዓን" (Install) ጠውቕ።
ስጉምቲ 2፦ ነቲ ኣፕሊኬሽን ክፈቶ እሞ ነቲ QR ኮድ (QR Code) ስካን (Scan) ግበሮ
ምስ ጻዕካዮ (install)፣ ነቲ ናይ Yoursafe ኣፕሊኬሽን ክፈቶ።
እቲ ኣፕሊኬሽን QR ኮድ ስካን (scan) ክትገብር ክሓተካ እዩ።
ነቲ QR ኮድካ ካብ COA ወይ ካብ ጉጅለ Yoursafe ተቐበሎ።
ካሜራ ሞባይልካ ናብቲ QR ኮድ ኣቕንዓዮ ክሳብ ስካን ዝግበር (scanned)።
ስጉምቲ 3፦ ብኢመይልካ (Email) ተመዝገብ
ነቲ ናይ Yoursafe ኣፕሊኬሽን ክፈቶ።
ኣድራሻ ኢመይልካ ኣእቱ።
ናይ መረጋገጺ መልእኽቲ (confirmation message) ንምርካብ ኢንቦክስ (inbox) ኢመይልካ ተወከስ።
ንምርግጋጽ፣ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ኢመይል ዘሎ መላግቦ (link) ጠውቕ።
ስጉምቲ 4፦ ብሕታዊ ሓበሬታኻ (Personal Details) ወስኽ
ስምካን ስም ኣቦኻን ኣእቱ።
ዕለት ልደትካ ኣእቱ።
እንተተሓቲትካ፣ ናይ ኣድራሻኻ ሓበሬታ ወስኽ።
✔ ኩሉ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑን ምስ መንነትካ (ID) ዝሰማማዕ ምዃኑን ኣረጋግጽ።
ስጉምቲ 5፦ ነቲ ኣፕሊኬሽን ምጥቃም ጀምር
ንኽትኣቱ (log in) ውሑስ ዝኾነ ፒን (PIN) ምረጽ።
ነቲ ፒንካ (PIN) ብምስጢር ሓዞ – ንኻልእ ሰብ ኣይትሃቦ።
ፒንካ (PIN) ምስ ኣዳሎኻ፣ ናብቲ ኣፕሊኬሽን ክትኣቱ (log in) ትኽእል ኢኻ።
ሕጂ ዝተረፈካ ሒሳብ (balance) ንምፍታሽን ኣካውንትካ ንምጥቃምን ድሉው ኢኻ።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.