ብኣፕሊኬሽን Yoursafe (Yoursafe App) ኣቢልካ ናብቲ ብ COA ዝድገፍ ኣካውንትካ ንምእታው፣ ፈለማ ኣካውንትካ ክትምዝግብ (Register) ኣለካ። ንምጅማር ነዞም ቀለልቲ ስጉምትታት ተኸተል።
ስጉምቲ 1: ብኢመይልካ ተመዝገብ (Register with Your Email)
ኣፕሊኬሽን Yoursafe (Yoursafe App) ክፈት።
ኢመይልካ (email address) ጽሓፍ።
ናይ መረጋገጺ መልእኽቲ (confirmation message) ንምርካብ ኢንቦክስ ናይ ኢመይልካ ተወከስ።
ንምርግጋጽ (Confirm) ኣብቲ ኢመይል ዘሎ መላግቦ (link) ጠውቕ።
ስጉምቲ 2: ብሕታዊ ዝርዝርካ ኣእቱ (Add Your Personal Details)
ስምካን (first name) ስም ስድራኻን (last name) ኣእቱ።
ዕለት ልደትካ (date of birth) ኣእቱ።
እንተተሓቲትካ፣ ዝርዝር ኣድራሻኻ (address details) ኣእቱ።
✔ ኩሉ ዝርዝራት ቅኑዕ ምዃኑን ምስ መንነትካ (ID) ዝሰማማዕ ምዃኑን ኣረጋግጽ።
ስጉምቲ 3: ነቲ ኣፕሊኬሽን ምጥቃም ጀምር (Start Using the App)
ንምእታው (Log in) ውሑስ ዝኾነ ፒን (PIN) ኮድ ምረጽ።
ፒን (PIN) ኮድካ ብሚስጢር ሓዝ – ንዝኾነ ሰብ ኣይትካፈላሎ።
ፒን (PIN) ኮድካ ድሕሪ ምምራጽካ፣ ናብቲ ኣፕሊኬሽን ክትኣቱ (Log in) ትኽእል ኢኻ።
ሕጂ ዝተረፈካ ገንዘብ ንምርኣይን (check your balance) ኣካውንትካ (account) ንምጥቃምን ድሉው ኢኻ።
ምኽሪታት (Tips)
✔ ብቕልጡፍ ክትከፍቶ ትኽእል ቅኑዕ ኢመይል ተጠቐም።
✔ ብሕታዊ ዝርዝርካ (personal details) ምስ መንነትካ (ID) ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ።
✔ ሓደ ስጉምቲ እንተዘይተረዲኡካ ንሰራሕተኛ COA ሓገዝ ሕተት።
Comments
0 comments
Please sign in to leave a comment.